الإتفاق الأولي للحوار والتشاور بين المؤتمر الشعبي الإريتري والوحدة الإريترية للتغيير الديمقراطي وتنظيم وحدة الإريتريين

سماديت كوم Samadit.com

إعداد: المؤتمر الشعبي الإريتري و الوحدة الإريترية للتغيير الديمقراطي و تنظيم وحدة الإريتريين

في سياق المشاورات التي تجريها تنظيمات المعارضة الارترية لتطوير صيغ عملها المشترك

وتفعيل جهدها الهادف الى التغيير المنشود في إريتريا إلتقت ثلاث تنظيمات في العاشر من مارس الجاري هي:-

١) الوحدة الارترية للتغيير الديمقراطي.

٢) تنظيم وحدة الإريتريين.

٣) المؤتمر الشعبي الإرتري.

وذلك على مستوى رؤساء مكاتب العلاقات الخارجية وكان اللقاء ايجابيا ومثمرا تم التوافق فيه على العمل على تحقيق ما يلي:-

• ضرورة تطوير صيغ العمل المشترك القائمة وتعزيزها وصولا الى قيام المظلة الجامعة لكل قوى التغير السياسية والمدنية.

• التأكيد على حماية السيادة الوطنية ومنع اي تدخل خارجي مباشر في الشأن الارتري.

• الإستفادة من الظروف المحيطة بالمنطقة ومن تصرفات نظام أفورقي وتدخلاته في شؤون دول الجوار وافتعال الازمات معها ومواقفه السالبة تجاه المجتمع الدولي ومنظماته وتطويع ذلك لصالح التغيير الديمقراطي وإقامة البديل السياسي الديمقراطي التعددي المنشود.

• ضرورة العمل على تحقيق السلم الأهلي والتعايش السلمي بين مجتمعاتنا وذلك لضمان الوحدة الوطنية والاستقرار السياسي في بلادنا.

• أكدت تنظيماتنا على استمرار الحوار والتشاور لبناء الثقة وتعزيزها وتحقيق ما تم الاتفاق عليه وصولا إلى ما هو أعلى واشمل.

التنظيمات:-

١) الوحدة الارترية للتغيير الديمقراطي

٢) تنظيم وحدة الإرتريين

٣) المؤتمر الشعبي الارتري

١٥ مارس ٢٠٢٢

ሰለስተ ፖለቲካዊ ውድባት ቀጻሊ ናይ ምምኽኻር ዘተታት ከካይድ ተበጊሱ

መንጎኣዊ ዞባዊ ኩነታት ኣብ ግምት ብምውሳድ ዝተገበረ ናይ ምምኽኻር ርኽክብ፣ ተቛወምቲ ውድባት ነቲ ኣብ ኤርትራ ዝድለ ለውጢ ንምምዝጋብ፣ ብሓባር ክሰርሕሉ ዝኽእሉ ኣገባብ ፈጢሮምን ኣማዕቢሎምን ብሓባር ንኽሰርሑ ወትሩ ምስሓሰቡን ምስፈተኑን እየም።

እዚ መንቀሊ ዝገበረ ኣብ 10 መጋቢት 2022 ኣብ መንጎ እዘን ዝስዕባ ሰለስተ ውድባት፡-

• ኤርትራዊ ስምረት ንደሞክራስያዊ ለውጢ Eritrean Unity for Democratic Change (EUDC).

• ውድብ ሓድነት ኤርትራውያን (ውሓኤ) Organization of Eritreans unity (OEU).

• ኤርትራዊ ህዝባዊ ጉባኤ Eritrean People’s Congress (EPC).

እዞም ኣብ ላዕሊ ዝተጠቕሱ ውድባት፣ ኣፍራይን ኣዎንታውን ዝዀነ መጀመርያ ናይ ምምኽኻር ኣኼባ ኣካይዶም። ኣብዞም ዝስዕቡ ነጥብታት ድማ ምርድዳእ ተበጺሑ።

• ሓደ ንኹሉ ፖለቲካውን ሲቪላውን ናይ ለውጢ ሓይልታት ዝጥርንፍ ጽላል ንምቛም፣ ነዚ ዘሎ ናይ ሓባር ናይ ስራሕ ኣገባብ፣ ሓይሉን ማዕቢሉን ውጽኢታዊ ዝዀነ ፍርያት ብዘርኢ ኣገባብን ኣተሓሕዛ ክወጽእ ከም ዘለዎ ኣስሚሮምሉ።

• ቀጥታዊ ናይ ወጻኢ ኢድ ኣእታውነት ብምዕጋት፣ ኤርትራዊ ሃገራዊ ልዑላውነት ምዕቃብ

• ኣብ ሃገርና ሃገራዊ ሓድነትን፣ ፖለቲካዊ ምርግጋእን ዘውሕስ፣ ብሰላማውን ሲቪላውን መንገዲ ሓቢርካ ምንባርን፣ ናይ ማሕበረኮማትን፣ ሕብረተሰባትን ሓቢርካ ናይ ምስራሕ ልዑል ኣድላይነት ከም ዘለዎ ኣረጋጊጹ

ንገጢሙና ዘሎ ዞባዊ ኲነታት ኣብ ግምት ወሲድና፣ እቲ ንዓሰርተታት ዓመታት ዘቚጸረ ስርዓት ኢሳያስ፣ ኣብ ጐረባብቲ ሃገራት ዝገበሮ ኢድ ናይ ምትእትታው ስረሓትን፣ ዝተኸተሎ ፖሊሲታትን እንተላይ ኣብ ልዕሊ ኣህጉራዊ ማሕበረሰብ ብዘለዎ ኣሉታዊ ርእይቶን ወሲኽካ ኣብ ረብሓና ዝውዕል ተረኽቦ ምዃኑ መዚና።

ስለዚ ድማ ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ፣ ኣብ መስርሕ ምውዳቕ እዚ ስርዓ‘ዚ፣ ተባላሓቲ ኣገባባት ናይ ሓድነት ተጠቒሞና፣ ብዙሕነታውን ዲሞክራስያውን መተካኣታ ምፍጣር ሸቶና ክንገብር ከም ዝግባእ ገምጊምና።

ምትእምማንና ንምህናጽን ንምቅልጣፍን፣ ነቶም ዝተሰማማዕናሎም ነጥብታት ድማ ናብ ዝበረኸን፣ ኣጠቓላልን ስምምዕ ንምብጻሕን፣ ቀጻሊ ናይ ዘተን ምምኽኻርን ርኽክባት ኣድላዪ ምዃኑ ውድባትና ኣስሚሮምሉ።

ፈርማታት ናይ ወጻኢ ዝምድናታት ወከልቲ:-

ኤርትራዊ ስምረት ንደሞክራስያዊ ለውጢ

ውድብ ሓድነት ኤርትራውያን (ውሓኤ)

ኤርትራዊ ህዝባዊ ጉባኤ

15 መጋቢት 2022

Top
X

Right Click

No Right Click