بيان الذكرى السنوية الإرترية

سماديت كوم Samadit.com

إعداد: فريق الذكرى السنوية الإرترية

ديباجة: 

على مدى ثلاثين عامًا من النضال من أجل الاستقلال، شهد الشعب الإرتري بعضاً من أبشع الأعمال

الذكرى السنوية الإرترية 5

وأكثرها فظاعة والتي ترقى إلى مستوى الإبادة الجماعية والجرائم ضد الإنسانية. أدت عقلية الإبادة الجماعية التي كان لدى القادة الإثيوبيين إلى القتل العشوائي للمدنيين وتدمير حياتهم وسبل عيشهم.

لقد طالت هذه الإبادة الجماعية كل قرى وبيوتات إرتريا، وتسللت آثارها عبر حجب الزمن ليتوارث عواقب هذه الفظائع أجيال لم تحضرها. ومن المؤسف أنه، وحتى يومنا هذا، لم تُبذل أي محاولة لمعالجة الألم الوطني الذي شكل إرتريا.

إعلان:

لذا، فإننا وبهذا الصدد نعلن انطلاق أسبوع الذكرى السنوية الإرتري.

أسبوع الذكرى السنوية الإرتري هو مشروع مخصص لتذكر وإكرام المدنيين الذين فقدوا أرواحهم من أجل إرتريا قبل وأثناء النضال الطويل الذي خاضه شعبنا من أجل الاستقلال ولمدة 30 عامًا.

لقد أدت حرب التحرير والاستقلال إلى فظائع ارتكبت بحق الشعب الإرتري. حيث تم استهداف النساء والأطفال وكبار السن. بالإضافة إلى تدمير الممتلكات، وسرقة وقتل المواشي، وإحراق القرى وتحويلها إلى رماد. استمرت عمليات الإبادة الجماعية هذه لأكثر من 30 عاماً وأودت بحياة العديد من المدنيين الأبرياء، واخذت هذه المجازر والفظائع أشكالاً متعددة. شمل ذلك على سبيل المثال لا الحصر الإعدام بدون محاكمات والطعن، والقتل الجماعي، والذبح، والحرق.

في بعض الأحيان كان هناك اغتيال مباشر للمدنيين في المدن والقرى. وفي أحايين أخرى، كان الناس يجبرون على التجمع في مناطق عامة وهم يشاهدون أهلهم وذويهم يقتلون ومنازلهم تحرق أمام أعينهم. هذه بعض الطرق العديدة التي تم بها تنفيذ هذه الفظائع.

وقد ترك هذا أثراً طويل الأمد على المدنيين، حيث دمرت مواشيهم ومصدر رزقهم من قبل القوات الإثيوبية بطريقة منهجية وهادفة. في بعض المناطق أجبر المواطنين العزل على أن يشهدوا تدمير مزارعهم وذبح مواشيهم. أصبحت الأسواق وأماكن التجمع أهدافاً للقصف الجوي والتمثيل بالجثث، وكانت هذه ممارسة شائعة لبث الخوف في الناس. وقد أجبرهذا الكثيرين على التكيف مع واقع جديد، حيث اضطروا إلى ممارسة التجارة خلال ساعات غير تقليدية لضمان سلامتهم من الغارات التي كانت تشنها القوات الجوية الإثيوبية، وأدى الضرر الناجم عن ذلك إلى إضعاف الشعب الإرتري اقتصادياً وحيوياً وكان ذلك كفيلاً بتدميره وإجهاض أي فرصة للنمو. أثَّر الاستهداف الممنهج على سبل عيشهم وتسبب في لجوء جماعي من إرتريا، مما أدى إلى عبور الآلاف من الإرتريين إلى البلدان المجاورة حفاظا على أرواحهم. وتأثر الشعب سلبًا بهذه الإجراءات التي تم تنفيذها بمهارة لضمان امتداد هذا التأثر على الأجيال المتعاقبة.

الأهداف:

الهدف من المشروع هو:

• الوصول إلى اعتراف وطني بالأحداث التي حدثت خلال النضال الإرتري من أجل الاستقلال.

• إحياء ذكرى الأرواح التي فقدت، والمجتمعات التي أبيدت.

• الإشادة بهؤلاء الأفراد من خلال توثيق جميع المعلومات ذات الصلة المتعلقة بالفظائع. بما في ذلك الأسماء والتواريخ وشهادات العيان والأماكن والمقالات الإخبارية والأفلام الوثائقية.

• تعريف وتثقيف الإرتريين بالإبادة الجماعية التاريخية التي ارتكبت ضد الشعب الإريتري، وخاصة الأجيال الشابة.

• تسليط الضوء على قصص وحكايات الأنفس التي نحتت إرتريا المستقلة.

سيكون أسبوع الذكرى السنوية الإرترية أسبوعاً مخصصاً لتذكر جميع الفظائع بشكل عام. سنتحدث إلى الناجين وشهود العيان وعائلات الضحايا لنوثق لقصصهم ولمعالجة جراح الماضي التي لم تلتئم بعد.

خلال هذا الأسبوع، سنسلط الضوء على الحوادث المختلفة بأفضل ما في وسعنا وذلك على أمل التثقيف والتوعية بشأن الإبادة الجماعية التي ارتكبت في إرتريا، مع الأخذ في الاعتبار محدودية الموارد المتاحة لنا،

يهدف هذا الحدث التذكاري إلى إثارة الحوار وصياغة رواية وطنية تأخذ في الاعتبار الألم والجروح النازفة والماضي المؤلم، لإيجاد مستقبل إرتري يتم فيه استصحاب آلام ومعاناة الجميع.

خاتمة:

إن الآثار المادية والمعنوية التي مر بها الشعب الإرتري كانت التضحية التي دفعها المدنيون الأبرياء فقط لأنهم إرتريّون. لا يهدف هذا المشروع إلى نكأ جروح الماضي المفتوحة، بل يهدف إلى معالجتها وبدء عملية التعافي المجتمعي بغرض تحقيق المصالحة الوطنية؛ داخليا بين الإريتريين وخارجيا مع جيراننا للتأسيس لمبدأ التعايش السلمي.

فريق الذكرى السنوية الإرترية

መግለጺ ዓመታዊ ዝኽሪ ሰሙን ኤርትራ

መእተዊ

ከም ዝፍለጥ ኣብ ውሽጢ 30 ዓመታት ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ምእንቲ ናጽነት፡ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ክሳብ ጃምላዊ ህልቂት ዝበጽሕ ሰፍ ዘይብል ገበናትን ኢሰብኣዊ ተግባራትን ብ ሓይልታት ገዛእቲ ኢትዮጵያ ተፈጺሙ ኢዩ። እዞም ተግባራት እዚኦም ድማ ኣብ ብዙሓት ኤርትራውያን ስድራቤታት ዘይሃስስ በሰላ ከምዝገደፈ ኩሉ ዝፈልጦ ሓቂ ኢዩ። እዚ ጃምላዊ ህልቂታት ኣብ ብዙሓት ከባቢታትን ገጠራትን ኤርትራ ዓቢ ጽልዋ ገዲፉን ምስ ግዜ ድማ ጽልዋታቱ እንዳጎልሐን ካብ ወሎዶ ናብ ወለዶ እንዳተማሓላለፈን ክመጽእ ጸኒሑን ኣሎን። እንተኾነ ክሳብ እዚ ዘለናዮ እዋን ንሕውየት ይኹን፡ ግዳያት ተፈላጥነት ንምሃብን፡ ንሃለዋት እዞም ስድራቤታትን ወለዶታቶምን ምፍላጥ፡ ዝተገብረ ተበግሶ ይኹን ዝተዳለወ መደብ ዳርጋ የለን።

ሓበሬታ

ስለዚ ድማ "ዓመታዊ ዝኽሪ ሰሙን ኤርትራ" ብዝብል ስም ሓደ ፕሮጀችክት ምጅማርና ክንሕብረኩም ንፈቱ።

"ዓመታዊ ዝኽሪ ሰሙን ኤርትራ" ብ ኣብ ዝተፈላልየ ሃገራት ዝቅመጡ ወለንታውያን መንእሰያት ዝተበገሰ ፕሮጀክት ኮይኑ፡ ንኽብሪ ነቶም ኣብ ግዜ 30 ዓመታት ሰውራዊ ቃልስን ቅድሚኡን ሂወቶም ዝሓለፈ ስለማውያን ሰባት ዝተዳለወ ኢዩ።

ከም ዝጠቀስናዮ ኣብ እዋን ቃልሲ ንናጽነት ኣብ ልዕሊ በርጌሳውያን እዚ ዘይባሃል ገበናት ተፈጺሙ ኢዩ። ገለ ካብኡ ብ ዕላማ ኣንስትን፡ ቆልዑን፡ ኣረጋውያንን ተጋፊዖምን ብ ኣሰቃቒ ኣገባብ ተቐቲሎምን ኢዮም። ዓድታት ተቃጺሉ ናብ ሓሙኹሽቲ ከም ዝልወጥ ተጌሩ ኢዩ። ብተወሳኺ ማልን፡ገንዘብን ናይ ህዝቢ ተሰሊቡን ጥሪቶም ትሓሪደን ተደርቤንን፡ ከማኡ ውን እቲ ን ልዕሊ 30 ዓመታት ዝቀጸለ ጃምላዊ ህልቂታት ብዝተፈላለየ ኣገባባት'ዩ ተፈጺሙ። ገለ ካብኡ ፥ ብዘይ ፍርዲ ምቅታል፡ ብ ኣልማማ ብካራ ምውጋእን፡ ምርሻንን፡ ምሕራድን፡ ምቅጻልን ክጥቀስ ይከኣል።

ኣብ ገለ እዋናት ኣብ ከተማታትን ገጠራትን ቀጥታዊ ዝኾነ ምቅንጻል ኣብ ልዕሊ ስቪላውያን ተፈጺሙ ኢዩ። ኣብ ካልእ እዋናት ውን ስባት ኣብ ህዝባዊ ቦታታት ኣኪብካ ኣብ ቅድሚ ዓይኒ ፈተውቶም ክቅተሉን ገዛውቶም እንዳነደደ ክርእዩ ይግደዱ ኔሮም ኢዮም። እዚ ገለ ኣብነታት ካብቲ ኣገባባት ኣፈጻጽማ ንምጥቃስ ኢዩ።

ከም ኣብ ላዕሊ ዝተጠቅሰ እዚ ተግባራት ንቶም ሰለማውያን ሰባት ንነዊሕ ዝኸይድ ጽልዋ ኢዩ ገዲፉ፡ ሰባት ምንጪ ኣታዊኦም ደይ መደይ ተባሂሉ ከም ዝበርስን ጥርሪቶምን ሕርሽኦምን ብገዛእቲ ኢትዮጵያ ከም ዝሃልቅ ተጌሩ፡ ህዝባውያን ዕዳጋታትን፡ መአከቢ ቦታታትን ዕላማ ናይ ነፈርትን መንጠልጠሊ ናይ ዝሞቱ ሬሳታትን ኮይኖም።

እዚ ድማ ኣብቲ ህዝቢ ፍርሕን ራዕድን ንምፍጣር ዝዓለመ ኢዩ ኔሩ። ስለዚ እቲ ሕብረተሰብ ገለ ካብ ኣገባብ ንጥፈታቱ ክቅይር ገዲድዎ ኢዩ። ንኣብነት ሰባት ካብ ደብዳብ ነፈርቲ ንምድሓን ብ ጸላም ወይ ዘይልሙድ ግዝያት ናይ ንግዲ ምልውዋጥ ንጥፈታቶም ከሰላስሉ ተገዲዶም ኢዮም።
እዚ ድማ ን ህዝቢ ኤርትራ ብ ቁጠባ ኣዳኺሙዎን ናይ ምምዕባል ዕድል ኣጥፊእሉን ኢዩ። እዚ እምባገነናዊ ዝኾነ ናይ ሓይልታት ኢትዮጵያ ኣካይዳ፡ ንህዝቢ ኤርትራ ሂወቱ ንምድሓንን፡እንጀርኡ ንርካብን ብብዙሕ ቁጽሪ ናብ ስደት ናብ ጎረባብቲ ሃገራት ከም ዘምርሕ ጌርዎ ኢዩ። ህዝቢ ኤርትራ እምበኣር በዚ ብውዲት ጽልውኡ ንነዊሕ እዋን ንኽቅጽል ዝተሰርሓሉ ን ወሎዶታት ተጸልዩ ኢዩ።

ዕላማታት

ዕላማ ናይዚ ፕሮጀክት፡-

1) ኩሉ ኣብ ግዜ ሰውራ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ዝተገብረ ገበናት ሃገራዊ ተፈላጥነት ከም ዝረክብ ምግባር።

2) ነቶም ሂወቶም ዝሰኣኑን፡ዝሃለቑን ውልቀሰባትን ሕብረተሰባትን ዓመታዊ ዝኽሪ ምግባር።

3) ናይ ኩሎም ዝተገብሩ ገበናት ሓበሬታታት ምእካብን፡ ብመልክዕ ኣስማት፡ ዕለት፡ ዓመተ-ምህረት፡ ናይ ዓይኒ መሰኻኸር፡ ጋዜጣዊ ጽሑፋትን ደኩመንታሪ ፊልምታትን ካልእን ነቲ ታሪኽ ምስናድ። በዚ ድማ ነቶም ግዳያት ክብሪ ምሃብ።

4) ንኩሉ ኤርትራዊ ዜጋ ብፍላይ ንመንእሰይ ወለዶ ብዛዕባ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ዝተገብረ ጃምላዊ ህልቂታት ምምሃርን ኣፍልጥኡ ከም ዝዓቢ ምግባርን።

"ዓመታዊ ዝኽሪ ሰሙን ኤርትራ" እምበኣር ነዞም ኩሎም ፍጻሜታት ሓፈሻዊ ዝኽሪ ክገብር ኢዩ። ኣብ ውሽጢ'ዚ ሰሙን'ዚ ብዝተኻእለና መጠንን ብዘለና ውሱን ምንጭታትን ንሕብረተሰብና ይምህርን፡ብዛዕባ እቲ ብ ገዛእቲ ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ ህዝብና ዝተገብረ ናይ ምጽናት ዓሌት ተግባራት ዘለዎ ንቅሓት ንምብራኽ ገለ ካብቶም ፍጻሜታት ኣልዒልና ክንዝርግሕ ክንፍትን ኢና።

ኣብ መወዳእታ እዚ ናይ ዝኽሪ መደብ'ዚ ናይ ዝርርብ መድረኽ ዝኸፍትን ሓባራዊ ዝኾነ ሃገራዊ ኣዘናትዋን መርዳእታን ክህልወና ዝሕግዝ ኮይኑ፡ ንዘይተዓረየ ሕሉፍን ዘይሓወየ ቁስልታትን ህዝብና ኣብ ግምት ኣእትዩ፡ ንመጻኢ ኣብ ዝሕነጸጽ ሃገራዊ መደባት ናይ ኩሎም ግዳያት ወገናት ቁስልን ስቅያትን ኣብቲ ዝርርብብ ቦታ ክህልዎ ንምግባር ኢዩ።

ኣዳላዊት ሽማግለ
ዓመታዊ ዝኽሪ ሰሙን ኤርትራ
24 ሕዳር 2021

www.Samadit.com حامد إدريس عواتي   www.Samadit.com عبدالقادر محمد صالح كبيرى   www.Samadit.com محمد عمر أكيتو   www.Samadit.com إبراهيم سلطان علي   www.Samadit.com إدريس محمد آدم مندر   www.Samadit.com محمد سعيد ناود   www.Samadit.com أحمد محمد ناصر أبوبكر   www.Samadit.com عثمان صالح سبي   www.Samadit.com عبدالله إدريس محمد سليمان  

Top
X

Right Click

No right click